RADIO ERENA – Wednesday, 13 November 2024
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ግፋ ኤርትራውያን፡ ብጹዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ግፋ፡ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርያ እዋኑ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም።
ዕላማ እቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ንጹር ኣይኮነን።
እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ሸርፊን ካልእን ንዝተዋፈሩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብስቕታ ክዕዘብዎም ከምዘይኮኑ ንባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ይካየድ ምስ ምህላዉ፡ እቲ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ይግለጽ‘ዩ።
ሓንሳእ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ካልእ እዋን ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንዝተዋፈሩ ንምህዳን ብዝብል ጉልባብ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ኣነጻጺሩ ዝካየድ ተደጋጋሚ ግፋ፡ ምስ ህልዉ ዝምድና ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብይ ኣሕመድን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ‘ውን ሓያሎ ወገናት የመልክቱ።
ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ግፋ፡ ኣብ ትሕቲ ትካል ስደተኛታት እታ ሃገርን ሕቡራት ሃገራትን ዝተመዝገቡን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝሓዙን ኤርትራውያን ‘ውን ብማዕረ ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበራ መዓስከራት ዝተበታተኑን ኣብ ሱዳን ካብ ዝትወልዐ ኲናት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሑ ዝኸኣሉን ዝርከብዎም፡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ተገፊፎም ብመንገዲ ቡሬ – ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎጉ ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተባሂሉ ኣብ ዘቖሞ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ከባቢ ጎንደር፡ ኣብ ዳባት ዝርከብ መዓስከር ኣለም ዋጭ ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ‘ዩ።
ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭ ኢንተርነት
===================
COMMENTS