RADIO ERENA – Thursday, 23 May 2024
ኣየርላንድ፣ ስጳኛን ኖርወይን ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህባኣ ምዃነን ሓቢረን።
እዚ ውሳኔ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን እስራኤልን ዘሎ ዝምድና ናብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝወስድ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ሰለስቲአን ሃገራት ኤውሮጳ፣ እቲ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነባሪ ሰላም ንምምዝጋብ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ እኳ እንተገለጻ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣምባሳደራት ካብተን ሃገራት ብቕልጡፍ ክወጹ ክጽውዑ ስለዝኣዘዘ ግን፣ ብኽልተ ወገን ፖለቲካዊ ወጥሪ ሰፊኑ`ሎ።
ካብ 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 140 ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ይህባ።
ካብ 27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ግን ሒደት ጥራየን ኣፍልጦ ሂበንኣ ጸኒሐን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሳይሞን ሃሪስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዳብሊን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ውሳኔ ካብ 28 ግንቦት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ነቲ ውሳነ “ ኣንጻር ህዝቢ እስራኤል ኣይኮነን፣ ኣንጻር ህዝቢ ኣይሁድ ኣይኮነን፣ንሓማስ ዝድግፍ ውን ኣይኮነን፣ እዚ ክልቲኦም ህዝብታት ብሰላም ክነብሩ ዘኽእል ስጉምቲ`ዩ” ክብል ኣብሪሁ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ነቲ ውሳኔ ተኸቲሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ “ንጉጅለ ግብረ ሽበራ ሓማስ ዘተባብዕ`ዩ” ኢሉ።
ንጋዛ ዘመሓድር ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ “ካልኦት ሃገራት እውን ነዚ ክኽተላን ሕጋዊ ሃገራዊ መሰላትና ኣፍልጦ ክህባ፣ ንቃልሲ ንሓርነትን ናጽነትን ህዝብና ክድግፋ፣ እስራኤል ኣብ መሬትና ተካይዶ ዘሎ ጎበጣ የብቅዕ” ክብል ገሊጹ።
===========================
COMMENTS