ኣዘርባይዣን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዛ መራኽባ ንምፍታሕ ብመንገዲ ፕረዚደንት ሶማል ትሓትት ምህላዋ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena – Thursday, 13 February 2025

ኣዘርባይዣን፣ ካብ 07 ሕዳር 2024 ኣትሒዘን፣ ንልዕሊ ስለሰተ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዛ፣ ሰለስተ መራኽባ ንምፍታሕ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕርታት ዛጊት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ብመንገዲ እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ፕረዚድነት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ትሓትት ምህላዋ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ፕረዚደንት ኣዘርባይዣን፣ ኢልሃም ኣሊየቭ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝበዝሓሉ ኣጋጣሚዩ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብቲ ብ12 ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ኣዘርባይዣን ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ስምዓት ከምዝኽተሙ እኳ እንተተሓበረ፣ ትሕዝቶታት እቲ ስምምዕ ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

ይኹንምበር፣ ሓደ ካብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተመያየጥሉ፣ ብዛዕባተን ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባይዣን ዝፍትሓሉ ተኽእሎታት ምዃኑ ይትንተን።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣዘርባይዣን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ርክባት ከካይዱ ኣካይዶምዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባይዣን፣ እተን ጽዕነተን ዘይጠቐሶ ሰለስተ መራኽብ፣ ናብ ኣቡ ዳቢ እናምርሓ፣ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ድሕሪ ምእታወን ከምዝተታሕዛዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ እተን መራኽብ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝዓለመ ኣጽዋር ጽዒነን፣ ናብ ውደብ ጂቡቲ የምርሓ ምንባረን ድሒሩ ይስማዕ ኣሎ። ዛጊት ብዝኾነ መንግስታዊ ኣካል ብወግዒ ዝተገልጸ ወይ ዝተረጋገጸ ነገር ግን የለን።

ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ 18 ዜጋታት ኣዘርባይዣን ዝርከብዎም 25 ሰባት፣ ኣብ ዓሰብ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ብቴሌፎን ምስ ስድራቤታቶም ክራኸቡ ከምዝኽኣሉን ሓቢሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0