RADIO ERENA – Wednesday, 08 January 2025
ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ምስ 18 ሰራሕተኛታታተን ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽባ ንምልቃቕ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ሎሚ 08 ጥሪ፣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እተን ናይ ንግዲ ምዃነን ዝተሓበራ መራኽብ ኣዘርባዥያን፣ ናብ ኣቡዳቢ እናምርሓ እንከለዋ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ማዕበልን ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ምስ ተጸግዓ፣ ብ07 ሕዳር 2024 ከምዝተታሕዛ‘ዩ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዥያን፣ ኣይካን ሕጅዛዳ፣ ብ08 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዝዎ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ይዘራረቡ ምህላዎም ገሊጹ።
ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ከቢድ ማዕበል፣ ካብ ኤርትራ ሓገዝ ንምሕታት ርክባት ንምክያድ እኳ እንተፈተኑ፣ ዝኾነ ምላሽ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎን፣ ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ክኣትዉ ከምዝተገደዱ‘ዩ መግለጺ እቲ ኣፈኛ ዝጠቕስ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ 18 ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ፣ ሃለዋቶምን ዘለውዎ ኩነታትን ንምፍላጥን ምስ ስድራቤታቶም ብቴሌፎን ንምርኻብን ይፍተን ከምዘሎ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዥያን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምትሓዝ እተን መራኽብ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ስእሊ፦ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዥያን፣ ኣይካን ሕጅዛዳ (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)
==================
COMMENTS