ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፣ ኣብ ቅድድም ማራቶን፣ ሰለስተ ክብረወሰን ብምስባር፣ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊባ

Radio Erena: 03 April 2022

ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ሎሚ ሰንበት 3 ሚያዝያ ወጋሕታ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተሰላሰለ፡ ውድድር ማራቶን ደጉ 2022፡ ቀዳማይቲ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዋቲት ኮይና።

ንውድድራ ብ2 ሰዓታት፡ 21 ደቓይቕን 25 ካልኢታትን ዝፈጸመት ጓል 32 ዓመት ናዝሬት፡ በዚ ሎሚ ዝኣተወቶ ግዜ 3 ክብረወሰናት ከምዘመሓየሸት ተረጋጊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ’ዚ ቦታዚ ብኬንያዊት ማርጋሬት ኣጋይ ናይ 2 ሰዓታት 23 ደቓይቕን 28 ካልኢታትን ዝበለጸ ግዜ ተመዝጊቡ ከም ዝነበረ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ ናዝሬት ድማ፡ ነዚ ክብረወሰን’ዚ ብ2 ደቓይቕን 3 ካልኢታትን ለጠቕ ከተብሎ በቒዓ።

ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ዝኾነት ናዝሬት፡ በዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ውጽኢታ፡ ብጀካ ንክብረወሰን ማራቶን ደጉ፡ ንውልቓዊን ሃገራዊን ክብረወሰን`ውን ክትሰብር ክኢላ ኣላ።

ንናዝሬት ስዒበን ኬንያውያን ፓሜላ ሮቲችን ጁዲዝ ጀሩቤትን ካልኣይን ሳልሳይን ተርታ ተሰሪዐን።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0