ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ምስ ኣማሓዳሪ ዳርፉር ሚን ሚናዊ ብምዃን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: Friday, 17 November 2023

ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ኣማሓዳሪ ዳርፉር ሚን ሚናዊ ብምዃን ትማሊ ሰሉስ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ፣ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን ከም ዝዘተየ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

ዑደት ኣልቡርሃን ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ’ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ናይሮቢ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኢጋድ ኣብ ኩነታት ሱዳን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ ምዝርራቡዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ናይ መራሕቲ ኢጋድ ዋዕላ ክጽውዑ ተሰማሚዖም።

ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፈጣን ሓይልታትን ዘጋጠመ ግጭት ዘስዓቦ ዕንወት ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ኣልቡርሃን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ሱዳን ተኹሲ ደው ንምባል፣ ኲናት ንምቁራጽን ንሱዳን ሰላም ንምምጻእን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ መብርሂ ሂቡ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚናዊ ምስ ኣልቡርሃን ኮይኑ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምርኻብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዳርፉር ዘጋጠመ ዓመጽን ቅልውላው ሱዳንን ክዝቲ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

ልፍንቲ ሓይልታት ዳርፉር፣ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ወጊኖም ኢሉ ዝወቕስ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ኣጽዋር የበጻጽሑ ኣለዉ ክብል’ውን ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብ ዳርፉር ዓበይቲ ዓወታት ከምዝተጎናጸፉ ይገልጹ ኣለዉ።

ፈጣን ሓይልታት ንዞባ ዳርፉር ንምቁጽጻር ካብ 2 ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ገስጋስ፣ ክሳብ ሕጂ 1300 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣልቡርሃን ኣብቲ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳንን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ከምዝተዘራረበ መግለጺ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ የመልክት።

ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ሓንሳብ ነባሪ ተኹሲ ደው ምባል ብምግባር ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቁፍ መስርሕ ንምጅማር ይሰርሑ ኣለዉ።

ኣልቡርሃን ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዘካየዶ ዑደት፡ ካብ ብዙሓት ሱዳናውያን ደገፍ ረኺቡ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ሰልፊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን ያሲር ኣርማን ኣብ ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ፣ ኣልቡርሃን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ነቲ ኲናት ንምቁራጽ፡ ንሰብኣዊ ቅልውላዋት እታ ሃገር ንምፍታሕን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ከምኡ’ውን ሱዳን ኣብ ዲሞክራስያዊ መሰረታት ዳግማይ ንምህናጻን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ብተወሳኺ ብድሕሪኡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክወሃብ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0