RADIO ERENA – Tuesday, 26 November 2024
ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕል ኣልቡርን፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፤ ብሰሉስ 26 ሕዳር፤ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።
እቲ ጀነራል፣ ምስ ፕረዚደት ኢሳይያስ ዘካይዶ ርክብ፣ ኣብ ምሕያል ጸጥታን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ደገፍ ንመንግስቲ ሱዳንን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝዝቲ መርበባት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ንምድጋፍ ናብ ዞባ ከሰላ ድሕሪ ምውፋሮም‘ዩ።
ኤርትራ፣ ሚሊሻታት ናይ ኣርባዕተ ምንቅስቓስን ውድባትን ምብራቕ ሱዳን ተሰልስጥን ከምዘላ ይፍለጥ።
ዛጊት ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝሰልጠኑ ሰለስተ ዙር ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን ናብ ዞባ ከሰላ ከምዝተዋፈሩ፣ ብምብራቓዊ ኦርጣ ዝፍለጥ ሓደ ካብቶም ውድባት ኣብ መግለጺ ኣስፊሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይይሳ፤ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፣ ዋና ጸሓፊ ስሙር ግንባር ንሓርነትን ፍትሒን ሱዳን፣ ዳውድ ኣል ኣሚን ማሕሙድ፣ ዝመርሖም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተቐቢሉ ከምዘዘራረበ ይዝከር።
ኤርትራ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ትድግፍ ምህላዋ ዝኣንፈቱ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣስመራ ዝበጽሑ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታት፣ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ንኩነታት ሱዳን ከምዘጋድዶ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝገለጸሎም ሓቢሮም።
ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝጅምር፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ ክበጽሕ ሎሚ ንሳልሳይ እዋኑ‘ዩ።
ስእሊ፣- ካብ ማሕበራዊ ሜድያ X @hawelti MO
===================
COMMENTS