Radio Erena: Friday, 29 December 2023
ኣብ ጽምብል ሓድሽ ዓመት ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማለት ማስክ ክጥቀሙ፣ ዝኾነ ምልክታት ኮቪድ 19 እንተሃልይዎም ድማ መርመራ ክገብሩን ካብ ምትእኽኻባት ክቑጠቡን ፕሮፌሰር ህዝባዊ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ከርቲን ኣውስትራልያ ጃያ ዳንታስ ሓቢሩ።
ካብቲ መበቆላዊ ቫይረስ ዝደኸመ ግን ከኣ ዝያዳ ተላባዒ ዝኾነ ሓድሽ ማዕበል ንኡሳን ለውጥታት Covid ኣብ ኣውስትራልያ ብብዝሒ ከምዝተራእየ ክኢላታት ኣጠንቂቖም።
ፕሮፌሰር ጃያ ዳንታስ፣ ድሕሪ ምትእኽኻባት ዓበይቲ በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን፣ እቲ መልከፍቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ግምታቶም የቐምጡ።
ንሱ ብተወሳኺ እቶም ብተደጋጋሚ ዝረኣዩ ዘለዉ ንኡሳን ለውጥታት ማለትSubvariant ኮቪድ 19፣ JN.1, HK.2ን HV.1ን ምዃኖም ብምግላጽ፣ ኣውስትራሊያውያን እንደጋና ክታበት ቡስተር ክወስዱ ኣዘኻኺሩ።
ሰባት በዞም ዝተጠቕሱ ንኡሳን ለውጥታት ማለት Subvariant ኮቪድ 19 ምስዝልከፉ ከቢድ ቃንዛ ጎሮሮን ስእነት ድቃስን ከም ዘጋጥሞም፣ ምስናይ ኮቪድ 19 ብምንጽጻር ረስኒ ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ከምዘይረኣዮም ሓቢሩ።
ሕማም ኮቪድ 19፤ ከም ኣህጉራዊ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዘይረኣይ፤ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።
ዳይረክተር’ቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብ5 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ‘ምስ ኮሚቴ ህጹጽ ሓደጋ ንመበል 15 ግዜ ድሕሪ ዘካየድናዮ ዘተ፤ ኮቪድ 19 ኣስጋእነቱ ካብ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዝወረደ ክሕብር እፈቱ’ ክብል እንከሎ፣ እንተኾነ እቲ ቫይረስ ባህርያቱ እንዳቐያየረ ገና ኣብ መንጎና ይነብር ስለዘሎ ጥንቃቐና ከነጉድል ኣይግባእን’ ክብል ኣጠንቂቑ ኔሩ`ዩ።
ሓደጋ ኮቪድ ገና ከምዘይተወገደ ዝገልጹ ክኢላታት ጥዕና፤ ህዝቢ ኣብ ዝገብሮም ምትእኽኻባት ጥንቃቐታት ክገብር ይምዕዱ።
=================
COMMENTS