ኣብ ግጭት ሱዳን ካብ ዝቖሰሉ ሓደ ሲሶ፣ ደቂንስትዮን ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን እዮም

RADIO ERENA – Wednesday, 17 July 2024

ኣብ ግጭት ሱዳን ካብ ዝቖሰሉ ሓደ ሲሶ ደቂንስትዮን ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን እዮም ክብል ሓካይም ብዘይዶብ MSF ትማሊ ሰሉስ 16 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

MSF ብተወሳኺ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ጉጅለታት ረድኤትን ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ክተሓጋገዙ ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ መላእ ሃገር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

ኲናት ኣብ ሱዳን ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወት ብቐሊሉ ዘይግለጽ’ኳ እንተኾነ ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝግበር ተጨባጢ ጻዕሪ ብዘይምህላዉ ግን እቲ ኲናት ብሕጂ’ኸ ክሳብ ክንደይ ክጸንሕን እንታይ ዝያዳ ዕንወት ከውርድን እዩ ዝያዳ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ::

================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0