ኣብ ጁባ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን ተቐቲሎም

ኣብ ጁባ ንሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብምዝማት ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምክትል ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጀነራል ኣጉስቲኖ ጃዳላ ሓቢሩ።

 

እቶም ሰለስተ ኡጋንዳውያንን ሓደ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ካላሽትን ሸጓጉጥን ዓጢቖም ብቦዳ ቦዳ ዝተባህላ ከም ታክሲ ዘገልግላ ሞተር ሳይክል እናተሓንበቡ ብዙሕ ናይ ስርቒ ገበናት ክፍጽሙ ከምዝጸንሑ’ውን እቲ ጀነራል ኣረጋጊጹ።

ቦዳ ቦዳ እናተጠቕሙ ኣብ ኡጋንዳን ጁባን ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ነጋዶን ተራ ሰባትን ብብዝሒ ከ4ምዝዘምቱን ብሰንኪ’ውን ሞት ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝሰዓበን ይፍለጥ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ ኣብ ጁባ ብሰንኪ ዝምታ ኣስታት 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን ከምእተቐትሉ ሬድዮ ኤረና ካብ ጁባ ዝረኸበቶ ጸብጻብ የረጋግጽ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ በዘን ከም ታክሲ ዘገልግላ ቦዳ ቦዳ ዝፍጸም ገበናት ንምግታእ ኣብ ከተማ ጁባ ከም ታክሲ ከየገልግላ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ከልኪሉወን ኣሎ።
=================================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0