‘’ኣብ ዳርፉር ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም፣ ዝወጻሉ ግዜ ኣኺሉዩ’’ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን

‘’ኣብ ዳርፉር ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም፣ ዝወጻሉ ግዜ ኣኺሉዩ’’ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን

Radio Erena: 10 June 2018

unamid sudanኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዓስኪሩ ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ጠቕሊሉ ዝወጻሉ እዋን ኣኺሉ’ዩ ክብል ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ መግለጺ ኣውጺኡ።

ኤን.ሲ.ፒ. ብሓሙስ 7 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ተራእዩ ዘሎ ምዕባለታት ሰላምን ጸጥታን፣ ንህላዌ’ቲ ዓቃብ ሰላም ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ዘነጽር’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ብመሰረት ዝወጸ ናይ ግዜ መቓን፣ እቲ ዓቃብ ሰላም ክወጽእ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ሱዳንን ዝተማእከለ ዓቃብ ሰላም ዞባ ዳርፉር፣ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2007 ኣትሒዙ ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጸጥታዊ ኩነታት ዞባ ዳርፉር ጽቡቕ ምዕባለታት ከምዘርኣየ’ኳ እንተኣመነ፣ እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ግና ኣብ ኣኽራናት ጀበል ማራ ክጸንሕ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ብፍላይ’ቲ ብዓብደል ዋሂድ ኣልኑር ዝምራሕ ዕጡቕ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ገና ስለዘየቋረጸ፣ ምስሓብ ዓቃብ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ክከውን ከምዘይግባእ ይገልጽ።

ንፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ሓደ ካብ መኽሰሲ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝገበሮ ጃምላዊ ህልቂት ዳርፉር፣ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ዝተዋፈረ 20 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓመታዊ ከባቢ 1.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት ይስለዓሉ።

===================== 

‘’ኣብ ዳርፉር ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም፣ ዝወጻሉ ግዜ ኣኺሉዩ’’ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን

‘’ኣብ ዳርፉር ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም፣ ዝወጻሉ ግዜ ኣኺሉዩ’’ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን