ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክቕጽል’ዩ

Radio Erena: 25 October 2022

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ክሳብ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ቀጥታዊ ዘተ፣ ብሰሉስ 25 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ብወግዒ ከምዝጀመረ ዘረጋገጸ ኣፈኛ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቪንሰንት ማግወንያ፣ ንሓሙሽተ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ፣ ነቲ ንኢትዮጵያ ናብ ዕንወት ኣምሪሑዋ ዘሎ ኵናት ሰለማውን ኣተኣማማንን ፍታሕ ከምጽኣላ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተስፋ ከምዘለዎ እቲ ኣፈኛ ገሊጹ።

ስምምዕ ምቑራጽ ተጻብኦታት፣ ብዘይገድብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ካብ ቀዳሞት ጠላባት ናይቲ ንትግራይ ወኪሉ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ዘሎ ልኡኽ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብወገኑ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ከም ኣውራ ቅድመ ኩነት ንዘተ ሰላም ከምዘቕርቦ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተወልዐ ኵናት፣ ናብ ዝተሓላለኸ መድረኽ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ዘረድኡ እቶም ተንተንቲ፣ እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ቀጥታዊ ዘተ፣ ክልቲኦም ወገናት ንተወሳኺ ረጽሚ፣ መዐደጊ ግዜ ከይጥቀምሉ ስግኣቶም ይገልጹ።
===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0