ኣብ ዓመት 40 ሚልዮን ደቂንስትዮ፣ ብሰንኪ ሕርሲ፣ ንነዊሕ ዝጸንሕ ናይ ጥዕና ጸገም የጋጥመን

Radio Erena: Friday, 08 December 2023

 

ኣብ ዓመት ብውሕዱ 40 ሚልዮን ደቂንስትዮ ብሕርሲ ዝስዕብ ንነዊሕ ዝጸንሕ ናይ ጥዕና ጸገም ከጋጥመን ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዘ ላንሰት ግሎባል ሄልዝ ዝተሓትመ ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፣ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ጥዕናዊ ጸገማት ንኣዋርሕ ወይ ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝስምዓካ ቃንዛ ንልዕሊ ሓደ ሲሶ (35%) ሓራሳት፣ ቃንዛ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖ (32%) ፣ ምቁጽጻር ሽንቲ (8-31%)፣ ጭንቀት (11-17%)፣ ቃንዛ ፐሪኒያል (11%)፣ ፍርሒ ዳግማይ ሕርሲ (6-15%) ከምኡ እውን ካልኣዊ መኻንነት (11%) ይርከብዎም።

ብፍላይ ድሕረ ሕርሲ ዘጋጥም ጭንቀት ብዙሓት ኣዴታት ምስ መጻምድተን፣ ቤተሰበን ወይ ውን ሰብሞያ ጥዕና ብግሉጽነት ስለ ዘይዘራረባ ብእዋኑ ሓገዝ ንምርካብ ከም ዝሽገራ ይፍለጥ።

ኣብ ትካላት ጥዕና ምርኩስ ዝገበረ መጽናዕቲ ዓመተ 2020 ከም ዘመልክቶ፣ ዝርገሐ ሕማም ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ኣደ ዝርአ ጭንቀት(ፒፒዲ)ን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ረቛሒታትን ኣብ ዞባ ማእከል ኤርትራ 7.4% ፣ሱዳን9.2%፣ ኡጋንዳ6.1%ን ነይሩ።

እቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ሕክምና ኣብ መስርሕ ክንክን ጥዕና ኣዴታት፣ እዞም ጸገማት ዝያዳ ኣፍልጦ ክወሃቦም ይመኽሩ።

ነብሰጾራት ሕክምና ኣብ ዝመላለሳሉ ኣጋጣሚ ቅድመ ምድላዋት ክገብራሉ ዝኽእላ ምኽሪ ሞያውያን ክረኽባ ሓጋዚ ሙኻኑ ውን ገሊጾም።

ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ዝግበር ክንክን እውን፡ ሓደጋታት ንምፍላጥን ድሕሪ ሕርሲ ነባሪ ጸገማት ጥዕና ከስዕቡ ዝኽእሉ ረቛሒታት ንምክልኻል ወሳኒ ምዃኑ የስምሩሉ።

ብዘይካዚ ሞት ኣዴታት ኣብ ግዜ ወሊድ ንምንካይ ዝያዳ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይጽውዕ ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ 185 ሃገራት 121 ሃገራት ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታት ርኡይ ምዕባለ ከምዘየመዝገባ ብምግላጽ፣ ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፣ እዚ ኣቓልቦ ሂበን ክሰርሓሉ ይግባእ ክብሉ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕክማና ይገልጹ ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኩነታት መጠነ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ብዝሒ ካብ ዓመት ንዓመት ይጎድል ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት።

ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ቀስ ብቀስ ይጎድል ከምዘሎ ዝግለጽ መጠን ሞት ዕሸላት ኣብ ግዜ ሕርሲ፣ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክንጸጻር ብኣስታት 5%’ዩ ቀኒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣገዳሲ ምዕባለታት እኳ እንተተራእየ፡ ኣብ 2020 ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪ ሕርስን ኣስታት 287 000 ደቂንስትዮ ሞይተን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0