RADIO ERENA – Monday, 18 November 2024
ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ መን‘ዩ? ኣበይ ሃገር ከ? እንተትብሃሉ መልስኹም እንታይ ምዃኑ?
ኣብ ለካቲት 2017፣ ን18 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ፣ ኡዝበኪስታናዊ ጋዜጠኛ፣ መሓመድ ቤኽዣኖቭ ምስ ዝተፈትሐ፣ ‘ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ተፈቲሑ‘ ክብላ‘የን ትካላት ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጸንኦ።
እዚ ፍጻሜ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ምዃኑ‘ዩ።
እቲ እዋን፣ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ን16 ዓመታት ተኣስሪሮምሉ ዝነበሩ ዓመት‘ዩ።
ድሕሪ ምፍታሕ ኡዝበኪስታናዊ መሓመድ ቤኽዣኖቭ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ኮይኑ ደኣ መን ቀጸለ?
ኣብዛ ክትዛዘም ወርሒን መንፈቕን ተሪፍዋ ዘሎ ዓመተ 2024፣ ኣብ ኤርትራ፣ ምስ ከምኡ ጋዜጠኛታት ካብ ዝእሰር 23 ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ዳዊት ኢሳቕ፣ ኣብ ሽወደን ስልማት ሰብኣዊ መሰላት ምዕዋቱ፣ ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ እናተባህለ ይግለጽ ኣሎ።
ኤርትራዊ ሽውደናዊ፣ ዳዊት ኢሳቕ፣ ንዝተሮቕሑ፣ ሚኒስተራት ነበርን ካልኦት ህቡባት ሰባትን መሪሑ ንዝተዓወቶ ስልማት ሰብኣዊ መሰላት ሽወደን፣ ጽባሕ ሰሉስ 19 ሕዳር 2024፣ ጓሉ ቤተልሄም ዳዊት ብወግዒ ክትቕበሎ‘ያ።
ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ስዮም ጸሃየ፣ ፍስሃየ ዮውሃንስ፣ ዳዊት ኢሳቕ፣ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ መድሃኔ ሃይለ፣ ማቴዎስ ሃብተኣብ፣ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ስዒድ ዓብደልቃድር፣ ኣማኑኤል ኣስራትን ካልኦት ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን እምበር እቶም ኣብ ዓለም ንንዝነውሐ ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ‘ዮም።
ኤርትራ፣ ድማ ንልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ጋዜጠኛታት፣ ንልዕሊ 23 ዓመታት ብዘይሕጋዊ መስርሕን ፍርዲን ኣሲራ፣ ሃለዋቶም ብምጥፋእ፣ ነተን ብሕሱም ምሕደርአንን ንናጽነት ፕረስ ዘለወን ጸቓጢ ፖሊሲን ልሉይ ስም ዘለወን ከም ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ በርማን ካልኦትን በሊጻ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ትርከብ።
==================
COMMENTS