Radio Erena: Friday, 11 August 2023
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ሚሊሻታትን ሰራዊት መንግስቲን ከምዝሃደ ተሓቢሩ።
ብፍላይ ኣብ ከተማታት ጎንደር፣ ባህርዳር፣ ደብረብርሃን፣ ላሊበላን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብታንክታትን ድሩዓትን ዝተሰነየ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ጎደናታት ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝሓበራ መርበባት ዜና፣ ዝስማዕ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ግና ከምዘየለ ኣስሚረናሉ።
ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ካብ ዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ናይቲ ክልል ከምዝሰሓቡ ዘረጋገጹ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብወገኖም፣ ቶዅሲ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ዳግም ከይጎሃሀር ስግኣት ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ተዛማዲኢ ህድኣት ከምዝሰፈነ ዝገልጽ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፣ ናብተን ከተማታት ኣቛሪጽዎ ዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዝጀመረ ገሊጹ።
እንተኾነ፣ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ክልል፣ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ክሳብ እዚ እዋን ተቛሪጹ ከምዘሎ’ዩ ዝጥቐስ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።
ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዘጋጠመ ምፍራስ ጸጥታ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ግጭት ኣብ ምጉህሃር ኢድ ኔርዎም ዝበሎም ኣሽሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ኣሎ።
=====================
COMMENTS