”ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኢሱ” ዶክተር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር

RADIO ERENA – Wednesday, 03 July 2024

”ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዘይፍርዲ ማእሰርትን ግዱድ ዕስክርናን ሓዊስካ፡ ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ” ክብል ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዶክተር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ንሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታት መሰላት ደቂሰብ ብቐጻሊ ስክፍታታት እኳ እንተተላዕለ፡ “ንምምሕያሽ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን” ክብል ጸብጺቡ።

እዚ ኣብ መበል 56 ኣኼባ’ቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ብዝርዝር ዝተገልጸ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክንሳ፡ ምስ ኣህጉራውን ዞባውን ኣገባባት ሰብኣዊ መሰላት ምትሕብባር ወይ ምትእስሳር ምእባያ ዘሕዝን’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ካብተን እንኮ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ምብጻሕ ተቐቢለን ዘይፈልጣ ሃገራት ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብፍላይ ከም እሱራት ምፍታሕን ፍትሓዊ ፍርዲ ምውሓስን፣ ናይ ርእይቶን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት፣ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ሰላማዊ ምትእኽኻብን ዝኣመሰሉ መሰላት ዕሽሽ ከም ዝበለቶም ተገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ራፖርተር ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ሲቪላውያን ትካላት ቦታ ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሩ።

ስእሊ ፥ ካብ ኢንተርነት
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0