ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሚሊሻ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ተዋፊሮም

RADIO ERENA – Wednesday, 30 October 2024

ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሚሊሻ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ፣ ናብ ዞባ ከሰላ ከምዝተዋፈሩ ኣፍሊጦም።

እቶም ብጀነራል ኣል ኣሚን ዳውድ ማሕሙድ ዝምርሑ ሚሊሻ፣ ብኦርጣዝፍለጡ ኮይኖም፣ ኣብ ሱዳን፣ ምብራቓዊ ቦጦሎኒ ብምቛም፣ ንሰራዊት መንግስቲ ንምድጋፍ ከምዝተዋፈሩ፣ ንመግለጺ እቲ ሓይሊ ብምጥቃስ፣ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ምብራቓዊ ቦጦሎኒ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን ምዃኑ ዩ ዝግለጽ።

እቲ ሓይሊ ሚሊሻ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፉ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕወይ ፈጣን ሓይልታት ካብ ዘካይዶ መጥቃዕታት ንዞባኡ ክከላኸል ምዃኑ ዩ ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ዓንዲ ሕቆ ሱዳን ብምዃኑ፣ ድጋፉን ዓወቱን ኣገዳሲዩ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከምዝገለጸ፣ ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ኣብ ዘስፈርዎ ዓንቐጽ ሓቢሮም።

እቶም ጋዜጠኛታት፣ ብ28 ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሕሉ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦም ሓበሬታ፣ ኣዛዚ ዳዕም ሰሪዕ፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ቅድሚ ኵናት ናብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ብዛዕብ ዘካየድዎ ምይይጥ ከምዘውክኣሎዮም ጠቒሶም።

ኤርትራ፣ ንሱዳናውያን ንምሽምጋል ተበግሶ ዘይወሰደትሉ ምኽንያት፣ ጉዳይ ሱዳን፣ ብዙሓት ዝጓየይሉ ዘለዉ ናይ ዕዳጋ ምርኢት ወይ ባዛር ኮይኑ ስለዘሎን ነቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከምርሖ ስለዝኽእልን ምዃኑ ኣሚቱ።

ሱዳን፣ ብሰንኪ ምትእታትው ናይ ግዳም ሓይልታት ናብ ታኼላ ከይትሽመም ዘተሓሳሰበ እቲ ፕረዚደንት፣ ብፍላይ ጸላእቲ ሱዳን ዝኾና ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናይ ገዛእ ርእሰን ውሳኔታት ስለዘይብለን፣ ንሱዳን ግዳይ ዞባዊ ኣጀንዳ ከይገብርኣ ኣዘኻኺሩ።

ሱዳን፣ ማእከል ርግኣት እቲ ዞባ ምዃና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምጥቃሱውን እቶም ጉጅለ ጋዜጠኛታት፣ ኣብቲ ኣብ ኣልጀዚራ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሲዚ፣ ሱዳናውያን ጉዳያቶም ባዕላቶም ክፈትሑ ዓቕሚ ኣለዎም ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ ናይ ግዳም ምትእትታው ከምዘየድልዮም ኣስሚርሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0