ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ 110 ኣመንቲ እምነት ክርስትና ተኣሲሮም

RADIO ERENA – Tuesday, 09 July 2024

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት 2024 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ 110 ኣመንቲ ክርስትና ከምዝተኣስሩ፣ ረሊዝ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰል እምነት ክርስትና ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻቡ፣ ኣብ ኤርትራ ብጠቕላል ኣስታት 400 ኣመንቲ ክርስትና ተኣሲሮም ከምዘለዉ ብምምልካት፣ እቶም 218ካብኣኦቶም ኣብዘን ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ዝተቐየዱ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣብ ገሊኡ ካብቲ ናይ ማእሰርቲ ፍጻሜታት፣ ቆልዑ፣ ኣመንቲ ክርስትና ምስ ዝኾኑ ወለዶም ክእሰሩን ክሳብ ስድራቤት ምልእቲ ብሓባር ዝተኣስረትሉ ኩነታትውን ከምዘሎን፣ ንኣባል ረሊዝ ኢንተርናሽላን፣ ዶ/ር ብርሃነ ኣስመላሽ ብምጥቃስ እቲ ትካል ኣተሓሳሲቡ።

ኤርትራ፣ መሰል እምነታት ካብ ዘይክበረለን ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ኮይና፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ዝርከብዎም ኣማኢት ኣመንቲ ምስልምና፣ መሰኻኽር ጂሆቫን ክርትስናን በብእዋኑ ተቐይዶምዮም።

ብእምነቶም ካብ ዝተኣስሩ ኣማኢት ዜጋታት፣ ብሰንኪ ዝወረዶም ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ማህረምትን ከምኡ ድማ ግቡእ ሕክምና ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ሓያሎ ህወይቶም ከምዝሰኣኑን ግዳያት ሕዱር ሕማምን ስንክልናን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0