‘ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብብሽክለታ ቀዳመይቲ እትስራዕ ኤርትራ፣ ንዕውታት ኣብ መበረኺ ዱኳታት እናሰቐለት ስልማት ካብ ምዕዳል ኣይተገላገለትን’

RADIO ERENA – Thursday, 17 April 2025

ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ቅድድማት ብሽክለታ ኣብ ዝእንገደሉ፣ ንዕዉታት ኣብ መበረኺ ዱኳታት እናሰቐልካ ዝካየድ ምዕዳል ስልማት ከብቅዕ ይግባእ ክብሉ ግዱሳት ኣፍቀርቲ እዚ ዓውዲ ስፖርት ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ርእይቶ ተላብዮም።

13 ሚያዝያ 2025፣ ኣብ ዝተዛዘመ ዘዋሪት ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል፣ ብውልቂን ጋንታን ንዕዉታት ማዳልያን ዋንጫ ናይ ምዕዳል ስነስርዓት፣ ከም ናይ ወትሩ፣ ብዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሐ መሳልል ወይ መበረኺ ዱኳታት እናሰቐልካ ከምዝነበረ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ንዝተመሓላለፈ ጸብጻብ ስፖርት ብምውካስ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ፌስቲቫላትን ካልእን ንጓይላን ፈንጠዝያን 10ታት ሚልዮናት እናውጽአ፣ እታ እንኮ ንኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዓወት እተስምያ ዓውዲ ስፖርት ዝኾነት ቅድድም ብሽክለታ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝወዳደሩ ዕዉታት ዘተባብዕ መድረኽ ክስርሓሉ ዘይምኽኣሉ ከምዘተሓሳሰቦምዮም እቶም ግዱሳት ጠቒሶም።

ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብቁጽጽር ከሕልፋ ዝፍትን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝቀዳደሙ ኤርትራውያን፣ ናብ ዝመረጽዎ ሃገራት ከይዶም ምስ ዝመረጽዋ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ከይጽንበሩ ብዙሕ ጸቕጥን መሰናኽላትን ከምዝገብረሎም ይውቀስ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0