ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ግፋ ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: Thursday, 17 August 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ዝጀመረ ግፋ ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ዛጊት ኣማኢት ወገናቶም ተገፊፎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተታሒዞም ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ሓያሎ ካብቶም ተገፊፎም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ እብ ዝነበራ መዓስከራት ተዓቝቦም ዝነበሩን ምስ ምውላዕ ኵናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃደሙ’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ገፊፉ ዝሓዞም ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ብግዴታ፣ ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶም ይዝከር።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ኤርትራውያን ናይ ምግፋፍን ብዘይድሌቶም ናብ ዓዶም ናይ ምምላስን ስጉምቲ ከምዝተቕቓወሞ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዕላማ’ቲ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዘነጻጸረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ‘ውን ይቕጽል ከምዘሎ ፖለቲካውያን ውድባት ተቓውሞታት የስምዓ ኣለዋ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0