RADIO ERENA – Thursday, 17 April 2025
ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘለዎ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ንወደብ ሖደይዳ ካብ ዕጡቓት ሑቲ ንምምንዛዕ ሓድሽ ኵናት ክኸፍት ከምዝኽእል ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምውካስ መርበብ ዜና ዘ ናሽናል ሓቢሩ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዝዓበየት ወደብ ናይ የመን ዝኾነት ሖደይዳ፣ ልዑል ስታቴጅያዊት ኣገዳስነት እትውንን ኮይና፣ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ 2014 ካብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ብምምንዛዕ ከምዝተቖጻጸርዋ ይዝከር።
ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ መንግስቲ የመን፣ ካብቲ ዓመት ኣትሒዙ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምህዳም፣ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሪያድ ኣቝሙ ይርከብ።
ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ፣ ኤርትራ እትርከበን ናይ ልፍንቲ ሓይልታት፣ ነቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝገልጽኦ ሑቲ ንምድምሳስ ዘካይድኦ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ጽዑቕ መጥቃዕታት፣ ካልእ ይትረፍ ንወደብ ሖደይዳ ‘ውን ከምልስ ኣይከኣለን።
ሖደይዳ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደብ ናይ የመን‘ያ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ብሓፈሻ ኣብዛ ወደብ ድማ ብፍላይ ንእትከያዶ ዝነበረት መጥቃዕታት፣ ንዓሰብ ንናይ ሎጂስቲክ መናሃርያ ትጥቀመሉ ምንባራ ይፍለጥ።
ንሑቲ ብኵናት ምእላይ ዘይክኣላ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ወደብ ሖደይዳ ንመንግስቲ የመን ንምርካብ ዝዓለመ ብመንጎኘት ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብ 2018ኣብ ሽወደን ዘካየድኦ ዘተ ንስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ ብዙሕ ፍረ ኣይሃበን።
ኣብ የመን፣ ሚዛን ወትሃደራዊ ሓይሊ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ብዘይካ ንከተማ ዓደን፣ ንሰንዓን ወደብ ሖደይዳ ዘጠቓለለ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ዝበዝሐ ክፋል የመንን ን11 ዓመታት ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዎ ኣሎ።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ኣብ ኵናት ድሕሪ ምሽማመን፣ ሑቲ ንሓማስ ብምድጋፍ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ኣመሪካ፣ እስራኤልን መሓዙተንን ከጥቅዕ ጀሚሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 100 መራኽብ ዘጥቅዐ ሑቲ፣ ብውሕዱ ንሰለስተ ከጥሕል እንከሎ፣ ንሸውዓተ ዕንወት ኣብጺሑለን።
ብሰንኪ‘ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ሑቲ፣ ትካላት መጓዓዝያ ናይ ንግዲ መራኽብ፣ ጉዕዞታተን ብደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን ይቕሰባ ብምህላወን፣ ኣብ ንግዲ ዓለም ርኡይ ጸቕጢ ፈጢሩ።
እስራኤል፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ናብ መሬታ ዝወንጨፎ ሮኬታት፣ ንሑቲ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳትሉ ‘ያ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብዚ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ዝኣወጀሉ ናይ ፈለማ ተርእዮ እንተኔሩ ኣብ ልዕሊ ሑቱ‘ዩ።
ካብ ዓርሞሽሽ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ ዝተበገሳ ነፈርቲ ኵናት፣ ድሮናትን ሚሳይላትን፣ ንዝተመርጸ ዒላማታት ሑቲ ብጹዑቕ ደብዲበን።
እንተኾነ እዚ‘ውን ንሑቲ ከምበርክኾ ኣይከኣለን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከሎ ድማ‘ዩ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ብኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ተደጊፉ፣ ስትራቴጅያዊት ወድብ ሖደይዳ ንምቁጽጻር ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ክጅምር‘ዩ ዝብሃል ዘሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጀነራል ሚካኤል ኩሪላ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ የመን፣ ሉዪተናንት ጀነራል ሳጊር ሓሙድ ኣሕመድ ዓዚዝ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምርኻብ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት የመን ብዝምልከት ዘትዮም።
ንከተማ ዓደን ከም መናሃርያን ደጀንን ዝጥቐመላ መንግስቲ የመን፣ ሓደሽቲ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ምምልማል ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት እታ ሃገር የረድኡ።
=================
COMMENTS