ኣብ ሱዳን ምጽናት ዓሌት ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 15 May 2024

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ከተማ ኤል ጀነና ንሓደ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ብሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ጸብጻብ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቀባት ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ዓሌት ማሳሊት ብጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ሓሚቲ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እቶም በቲ ግፍዒ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት እገዳ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኤል ጀነና ኣስታት 15 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከማተቐትሉ ገሊጹ ኔሩ።

ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ብዘይካ’ዚ፣ ሰራዊት ፈጣን ሓይልታት ኣብታ ከተማ ካብ ዝነበረ ዓሌታዊ ጎነጽ ንምህዳም ዝፈተኑ ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣኽቢቡ ብጥይት ከም ዝቐተለ ገሊጾም።

ኣሜሪካን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበንን ብዛዕባ ገበናት ኲናት ዳርፉር ገሊጾም እኳ እንተነበሩ፣ ኣብ ሱዳን ምጽናት ዓሌት ይካየድ ከምዘሎ ግን ኣይጠቐሱን።

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ከተማ ኤል ጀነና፤ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ቀቢላ ሪዘጋትን ጸለምቲ ደቀባት ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ዓሌት ማሳሊትን ቀጻሊ ግጭት ከምዝካየድ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ውን ኣብ ምዕራብ ዳርፉር፣ ኣብ ጋህሲ ዝተቐብረ ናይ 87 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኔሩ።

እቲ ሬሳታት፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብዝምርሑ ፈጣን ሓይልታትን ደገፍቶም ሚሊሻን ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ምዃኑ ዘእምን ሓበሬታ ከምዘለዎ ‘ዩ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ብሓሙስ 13 2023 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ምዕራብ ዳርፉር፣ ከባቢ ከተማ ኤል ጀኔና፣ ኣብ ዝተረኽበ ጋህሲ ዝተቐብሩ ሰባት፣ ካብ ዓሌት ማሳሊት ዝውለዱ ጸለምቲ ደቀባት ምንባሮም ይዝከር።

ኲናት ኣብ ሱዳን ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወት ብቐሊሉ ዘይግለጽ’ኳ እንተኾነ ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝግበር ተጨባጢ ጻዕሪ ብዘይምህላዉ ግን እቲ ኲናት ብሕጂ’ኸ ክሳብ ክንደይ ክጸንሕን እንታይ ዝያዳ ዕንወት ከውርድን እዩ ዝያዳ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0