ኣብ ሱዳን፣ ሰሜን ኮርዶፋን፣ ፈጣን ሓይልታት 23 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Tuesday, 16 July 2024

ኣብ ሱዳን፣ ሰሜን ኮርዶፋን፣ ዕጡቓት ፈጣን ሓይልታት፣ ነጋዶን ሰለማውያን ሰለማውያን ሰባት ኣብ ልዕሊ ዘመላልሳ ዝነበራ ቃፍላይ ብዝኸፈትዎ፣ ብውሕዱ 23 ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን፣ ንማሕበር ሓካይም ብምጥቓስ መርበብ ዜና ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነበርቲ ፋንጎጋ ናይ ዝተባህለት ቁሸት፣ ብቀዳም 13 ሓምለ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝውሕዝሉ ዝነበሩዩ፣ እቶም ዕጡቓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከፊቶሙሎም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ኮርዶፋን እትርከብ ከተማ ኣል ኡበይድ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ከበባ ፈጣን ሓይልታት ያ ትርከብ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ነፈርቲ ውግእ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዳርፉር ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ጽዑቕ ደብዳብውን ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ሰባት ከምዝተቕትሉን ከምዝቖሰሉንዩ ተመልኪቱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0