RADIO ERENA – Thursday, 10 October 2024
‘ኣብ ሱዳን፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምርግጋጽ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውፋር ውጥን ኣሎ‘ እናተባህለ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ሓቕነት ከምዘይብሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን፡ ቶም ፐርየሎ ሓቢሩ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣቐዲሙ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ተኽእሎታቱ ብዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝዘተየ ‘ዩ ኣሚቱ።
ንሱ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩነታት ንምክትታልን መፍትሒ ኣብ ምንዳይን ቲ ዝሓሸ ግደ ክጻወት ይኽእልዩ ዝብል እምነት እኳ እንተለዎ፡ ብዛዕባ ምውፋር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ግና ዝኾነ ውጥን ከምዘየለ‘ዩ ኣረጋጊጹ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ቶም ፐርየሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባጋት ሱዳን ዑደት ከካይድ መዲቡ ከምዘሎ‘ዩ ዝግለጽ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን፡ ብዳዕም ሰሪዕ ዝፍለጡ ፈጣን ሓይልታትን ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዙ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ካልኦት ኣካላት ዝተኻየደ ፈተነታት ኣይተዓወተን።
ኣብ ትሕቲ ፈጣን ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ይቖጻጸር ከምዘሎ ዝገልጽ ሰራዊት መንግስቲ፡ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ‘ዩ ዝሕብር።
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ድማ ከምዝቖሰሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ታ ሃገር ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ተመዛቢሎም።
====================
COMMENTS