ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 81 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጣይሶም

Radio Erena: 03 November 2020

ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ጋሾራ ካብ ዝጸንሑ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 81 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተጣየሱ ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምጥቃስ ጸብጻባት ካብ ኪጋሊ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ‘ቲ ጸብጻባት፣ እቶም 49 ኣቐዲሞም ከምዝተጣየሱ ብምምልካት፣ እቶም 33 ድማ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራታት ዳግም ድሕሪ ምጅማሩ ናብ ካናዳን ነርወይን ዝገዓዙ’ዮም።

ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ድማ ኣስታት 40 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ፈረንሳን ነርወይን ክጣየሱ’ዮም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበሩ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ልዕሊ 300 ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ 2018 ኣትሒዞም፣ ኣብ ርዋንዳ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ ከምዝተሰጋገሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቶም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጣይሶም ይርከቡ።

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0