ኣባል ኤምባሲ ሊብያ ኣብ ኤርትራ 160 ሽሕ ዶላር ብምጥፍፋእ ተቐይዱ

RADIO ERENA – Tuesday, 04 February 2025

ኣባል ኤምባሲ ሊብያ ኣብ ኤርትራ፣ 160 ሽሕ ዶላር ብምጥፍፋእ። ብ16 ጥሪ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ፣ ተቖጻጻሪ ሕሳብ ምንባሩ ዝተገልጸ ኣባል ኤምባሲ ሊብያ፣ ናይ ሓሶት ናይ ሕሳብ መዛግብቲ፣ ቅብሊታትን ካልእ ወረቓቕቲን ብኽታሙ እናገበረ፣ ነቲ ገንዘብ ናብ ካልእ መዓላ ከምዘባኸኖዩ ክሲ ቀሪብሉ።

ነቲ ምጥፍፋእ ዘጻሪ ዘሎ ኣኽባር ሕጊ ሊብያ፣ ምስቲ ጉዳይ ምትእስሳር ዘለዎም ካልኦት ጥርጡራትውን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ ኣሎ።

ጉዳይ እቶም ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ኔሮም ክኾኑ ዝኽእሉ ጥርጡራትን እቲ ገንዘብ ብኸመይ ተጠፋፊኡን ናብ ንምንታይ መዓላ ውዒሉን ጌና ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምክትል ኣኽባር ሕጊ ሊብያ ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0