ኣስታት 80 ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኢንግሊዝ ቻነል ድሒኖም

RADIO ERENA – Wednesday, 12 June 2024

ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ንግሆ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢንግሊዝ ቻነል ሰራሕተኛታት ሓለዋ ባሕርን ህይወት ኣድሕንን ኣብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝነበረት ጃልባ ከምዘድሓኑ ገሊጾም።

እቶም ሰራሕተኛታት ሓላዋ ባሕሪ ብዝወሰድዎ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 80 ሰባት ከድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ 7 መዓልታት 331 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ሰባት ንኢንግሊዝ ቻነል ከም ዝሰገሩ ተገሊጹ።

ብ1 ግንቦት ብድምር 711 ሰባት ብ14 ጀላቡ ነቲ ጉዕዞ ከምዘካየዱ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሓቢሩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0