‘ኣስመራ ክንዓልብ እኳ እንተዘይክኣልና፡ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይንበርር ዘገድደና የለን’

RADIO ERENA – Wednesday, 04 September 2024

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረታታት ደው ዘበለሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ኤርትራ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተዋህለለ ገንዘብ ከውጽእ ብዘይምኽኣሉን፣ ኣብዚ ቀረባ ድማ ናይ ባንክ ሕሳቡ ብምድስካሉን ምዃኑ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው ገሊጹ።

ንሱ ብዛዕባቲ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ናይ ባንክ ባንክ ሕሳብ ቲ መንገዲ ኣየር ብምድስካሉ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ወኪሎም ገንዘብ ከእቱ ከምዘይክአለዩ ጠቒሱ።

ብሰንኩ ድማ ደምዝ ሰራሕተኛታት ምኽፋል ከምዘይክአሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ደው ምባል ከምዝመረጹን ኣረዲኡ።

ድሕሪዚ ውሳኔ ናብ ኣስመራ ክንዓልብ እኳ እንተዘይክኣልና፡ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይንበርር ዘገድደና የለን ክብልዩ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ካብ 02 መስከረም ኣትሒዙ ደው ድሕሪ ምባሉ ብወገን ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈላለወ ወረ ይዝዝርጋሕ።

ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትኬት ቆሪጾም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡን ናብ ኣስመራ ክምለሱ መደብ ዘለዎምን፡ ብዙሕ ኣማራጺታት ስለዘይብሎም፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ከልበትበትን ወዲቖም ይርከቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0