ኣስመራ፣  ብጉጅለታትን ብዝተወደበ መልክዕን ዝካየድ ዘሎ ክትራን ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ

ኣስመራ፣ ብጉጅለታትን ብዝተወደበ መልክዕን ዝካየድ ዘሎ ክትራን ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ

ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ብጉጅለታትን ብዝተወደበ መልክዕን ዝካየድ ዘሎ ክትራን ገኒኑ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ከባቢኡ ክሕሉ ምሕጽንታ ቀሪቡ።

እዚ ምሕጽንታ ዝቐረበ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ምምሕዳር ከባቢታት ኮይኑ፣ ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጉጅለታት ክትራን ዝሓደሮ ሻቕሎት፣ ንናይ ከባቢ ፖሊስ ሓቢሩ’ውን መፍትሒ ክረኽበሉ ብዘይምኽእሉ’ዩ።

ፖሊስን ሰራዊት ዞባታትን ነዚ ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ገኒኑ ዘሎ ዝተወደበ ናይ ጉጅለታት ክትራን ንምህዳን ኣብ ምንቅስቓስ ከምዘሎ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባታት ተሓቢሩ ኣሎ።

ብዘይካ’ቲ ገኒኑ ዘሎ ክትራን፣ መሸጣ ዝተሰርቀን ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሉን ኣቑሑ፣ ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብታትን መድሃኒታት’ውን ብብዝሒ ይርአ ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0