ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ስለሺ በቀለ፣ ናይ ስንብታ ወረቐት ኣቕሪቡ

RADIO ERENA – Wednesday, 29 May 2024

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ስለሺ በቀለ፣ ስልጣኑ ብገዛእ ነብሱ ክገድፍ ናይ ስንብታ ወረቐት ኣቕሪቡ።
ስለሺ በቀለ፣ ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖኣዊ ሕርሻን ኮይኑ የገልግለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ኣብ 2022 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተመዚዙ፣ ናይ ኣምባሳደርነት ስርሑ ኣብ ኣመሪካ ጀሚሩ።
እቲ ኣምባሳደር፣ ስለምንታይ ስርሑ ይገድፍ ኣሎ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፣ ካብ ዝኾነ መንግስታዊ ጽፍሕታት ተኣልዩ፣ ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ከተኩር ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣብ መፈለምታ’ዚ ንዛዝሞ ዘለና ወርሒ ግንቦት፣ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ናይ ቃላት ምስሕሓብ፣ ጠንቂ ምስንባት’ዚ ኣምባሳደር ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጠራታት ኣሎ።
ኣምባሳደር ስለሺ፣ ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳይ ዲጋ ህዳሰ ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንኣጠቓቕማ’ቲ ዲጋ ብዝምልከት፣ ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፣ ከም ወኪል ወይ ተዛታዪ ኮይኑ ተመዚዙ።
ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትንተናታት፣ ኣብ ብሄረ ኦሮሞ ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ለንጮ ባቲ፣ ሓድሽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸውን ከምዝእል ኣመታቶም ይህቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0