RADIO ERENA – Wednesday, 16 April 2025
ምምሕዳር ትራምፕ፣ ባጀት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ንምውሓድ ብዝወጠኖ መሰረት፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት፣ ብድምር 27 ኤምባሲታትን ቆንስላትን ኣመሪካ ክዕጾ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ ንኣመሪካ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብለን ዝተባህለ ከም ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሉክሰምበርግን ማልታን ዝኣመሰላ 10 ሃገራት፣ ኤምባሲታታ ምሉእ ብምሉእ ክዕጾ‘ዩ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኣብ ፈረንሳ፣ ካብ ፓሪስ ወጻኢ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን ዘጠቓለለ 17 ቆንስላት‘ውን ንምዕጻው መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተጠቒሱ።
ምምሕዳር ትራምፕ፣ በብግዜ ክውህለል ዝጸንሐ ውሽጣዊ ዕዳ ኣመሪካ ንምሕዋይ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዘተኮረ ብመልክዕ ሓገዝ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ክዋፈር ዝጸንሐ ባጀት ናብ ዝወሓደ ንምውራዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ይሕብር።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ እቲ ምምሕዳር፣ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኣብ ባህሊ፣ ትምህርቲን ምርምርን ዘተኮረ ትካል ሕቡራት ሃገራት ወይ ዩኔስኮን ካልኦት ትካላት ናይቲ ኣህጉራዊ ውድብን ዝርከብ ቆንስላቱ ክዓጹ ከምዝኽእል ተመልኪቱ።
በዚ ናይ ምምሕዳር ትራምፕ መምርሒ መሰረት፣ ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ፊስካላዊ ዓመት፣ 54.8 ቢልዮን ዶላር ዝነበረ ባጀት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፣ ብኣስታት ፍርቂ ክክጎድል‘ዩ።
====================
COMMENTS