ኣመሪካ፣ ኣብ ግጭት ሱዳን ምትእትታው ንዝፍጽሙ ግዳማውያን ኣጠንቂቓ

RADIO ERENA – Tuesday, 05 November 2024

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን፣ ቶም ፐርየሎ፣ ኣብ ግጭት ሱዳን፣ ምትእትታው ንዝፍጽሙ ናይ ግዳም ሓይልታት ወይ ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ንሱ፣ ነዚ ዘጠንቀቐ፣ ኤርትራ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን ተሰልጠን ግብጺ ድማ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ትልእኽ ኣላ ንዝብል ወቐሳ ዳዕም ሰሪዕ ወይ ፈጣን ሓይልታት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉዩ።

ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሰቬኒ፣ ብ04 ሕዳር፣ ኣብ ካምፓላ ዝተመያየጠ ቶም ፐርየሎ፣ ካብ ቻድን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ንዝመጹ ሚሊሻታት ሓቝፉ ከምዘሎ ዝውቀስ ዳዕም ሰሪዕ ብወገኑ ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ ዝፈጸሞ ህልቂት ሰለማውያን ሰባት ከምዘተሓሳቦ ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ካብ ካምፓላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጎረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት፣ ኣውሓስቲ ሰላም ደኣምብር ኣጽዋር ብውፋርን ወትሃደራት ብምስልጣንን ግጭት ከጋድዳ ከምዘይብለንዩ ኣገንዚቡ።

ኣብ ሱዳን፣ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ደው ንምባልን ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ንምቅርራቦምን ዝካየድ ዞባውን ኣህጉራውያን ጻዕርታት ክቕጽልውን እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ ጸዊዑ።

ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ሚሊሻ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዞባ ከሰላ ከምዝተዋፈሩ ምግላጾም ይፍለጥ።

እቶም ብጀነራል ኣል ኣሚን ዳውድ ማሕሙድ ዝምርሑ ሚሊሻ፣ ብ‘ኦርጣ‘ ዝፍለጡ ኮይኖም፣ ኣብ ሱዳን፣ ምብራቓዊ ቦጦሎኒ ብምቛም፣ ንሰራዊት መንግስቲ ንምድጋፍ ከምዝተዋፈሩዩ እቲ ሓይሊ ሓቢሩ።

ምብራቓዊ ቦጦሎኒ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጉጅለ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን ምዃኑ ‘ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0