ኣመሪካ፣ ኣብ የመን ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ንምሕያል፣ ካልኣይቲ ዓርሞሽሽ መርከብ ኵናት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊራ

RADIO ERENA – Thursday, 03 April 2025

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ንምሕያል፣ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን እትስከም ካልኣይቲ ዓርሞሽሽ መርከብ ኵናት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊራ።

እታ USS Carl Vinson ዝተሰምየት መርከብ፣ ኣብ ጎኒታ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ እትዋፈር ነዊሕ ኣቝጺራ ዘላ USS Harry S. Truman ንኽትስለፍያ ካብ ዞባ ሰለማዊ ውቅያኖስ ናብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ግዒዛ ዘላ።

ምምሕዳር ትራማፕ፣ ካብ 15 መጋቢት ኣትሒዙ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመነ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከባ።

ንሑቲ፣ ሽበራዊ ጉጅለ ዝሰየመ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ናይ ንግዲ መራኽብ ኣመሪካብ መሓዙታን ብዘይዝኾነ ስግኣት ክንቀሳቐሳ፣ እቲ ጉጅለ ክድምሰስ ከምዘለዎዩ ዝገልጽ።

ንሑቲ ከምእትድግፍ ዝንገረላ ኢራንውን ኢዳ እንተዘይስሒባ ኣመሪካ ኣድላይ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና የጠንቅቕ።

ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ስለስተ ሰሙናት፣ ኣብ የመን ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲን ሚሳይላትን ቆልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘካይዶ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ን103 መራኽብ ዒላማ ክገብር እንከሎ፣ ሓያሎ ካብኣተን ከቢድ ጉዳት ወሪዱወንዩ። ሰለስተ ድማ ምሉእ ብምሉእ ጥሒለን።

ብሰንኪ ዚ ናይ ሑቲ መጥቓዕቲ፣ ኣህጉራውያን ኩባንያታት ምውፋር ናይ ናይ ንግዲ መራኽብ፣ ጉዕዞታተን ብደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይራን፣ ንድሕነትን ካልእን ተወሳኺ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክኸፍላን ተገዲደንየን።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0