ኣመሪካ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝዋፈራ መራኽብ ኵናት 1.2 ቢልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዓ

RADIO ERENA – Tuesday, 08 October 2024

ኣመሪካ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከጋጥም ንዝኽእል ጸጥታዊ ስግኣት ንምምካት ንዝዋፈራ መራኽብ ኵናት ዝውዕልዩ ዝበለቶ 1.2 ቢልዮን ዶላር ባጀት ከምዝመደበት ተገሊጹ።

እስራኤል፣ ካብ ቓዛ ሓሊፋ፣ ኣብ ሊባኖስን ኢራንን እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒታትን ዝወሃቦ ዘሎ ግብረመልስን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ወጥሪ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋንያ ኣመሪካ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዋፈራ መርኻብ ገዚፍ ባጀት ሰሊዓ ዘላ።

ኣመሪላ፣ ነፈርቲ ውግእ ዝስከማ ዝርከብአን ጭፍራ መራኽብ ኵናት፣ በብእዋኑ ናብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ ከተዋፍር ጸኒሓያ።

እዚ ሕጂ ኣበጊሳቶ ዘላ ወፍሪ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘካየደቶ ዝዓበየ ከምዝኸውን ወትሃደራውያን ተንተንቲ የመልክቱ።

ሓያሎ ካብተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዋፈራ መራክብ፣ ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ዝዓጠቓ ኮይነን፣ እስራኤል ካብ ኢራን ክወርዳ ንዝኽእል ተወሳኺ መጥቃዕታ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ይእምቱ።

ሑቲ ናይ የመን፣ ኣንጻር እስራኤልን ደገፍታን ዝቐንዐ መጥቃዕታ መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብዝልዓለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ኣብ ዘጠንቅቐሉ ዘሎ እዋን፣ ኩባንያታት መጓዓዝያ ባሕሪ ዘዋፍርአን መራኽብ ካብቲ ክሊ ማይ ክእለያን መንገደን ብደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይራን ይሕብራ ኣለዋ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0