RADIO ERENA – Tuesday, 01 April 2025
ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ከተማ ካርቱም ካብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ድሕሪ ምዃና፣ ኣብ ፈላሚ ዑደቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ በጺሑ።
እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ብ28 መጋቢት ናብ ከተማ ማካ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ዘትዩ።
ንዝምድና ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ምሕያል እትነጥፍ ናይ ሓባር ሽማግለ ከቑሙ‘ውን ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።
ጀነራል ኣል ቡርሃን ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘምርሐ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ‘ቲ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይታ ንግስነት ኣብ ፖርት ሱዳን ምርኻቡ‘ዩ።
ኣብቲ ናይ ፖርት ሱዳን ርክብ፣ ኣብ ዳግመ ህንጻ ናይታ ብኵናት ሓድሕድ ዝዓነወት ሱዳን ዘተኮሩ ፕሮጀክታትን ብስዑዲ ዓረብ ክትግበሩ ዝኽእሉ መደባትን ከምዝዘተዩ‘ዩ ተመልኪቱ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ክትሕግዝ እንከላ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብኣንጻሩ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ ወይ ፈጣን ሓይልታት ከምእትድግፍ ይግለጽ።
ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ወሰንቲ ወትሃደራዊ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ናብታ ኣባላት ሰራዊትንን ሚሊሻታትን ምብራቕ ሱዳን ብምስልጣን እትተሓጋገዞ ኤርትራ‘ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ክበጽሕ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።
================
COMMENTS