ኣል ቡርሃን፣ ከተማ ካርቱም ካብ ዳዕም ሰሪዕ ሓራ ድሕሪ ምዃና፣ ኣብ ፋልማይ ዞባዊ ዑደቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምሪሑ

RADIO ERENA – Tuesday, 01 April 2025

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ከተማ ካርቱም ካብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ድሕሪ ምዃና፣ ኣብ ፈላሚ ዑደቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ በጺሑ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ብ28 መጋቢት ናብ ከተማ ማካ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ዘትዩ።

ንዝምድና ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ምሕያል እትነጥፍ ናይ ሓባር ሽማግለ ከቑሙውን ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘምርሐ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪቲ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይታ ንግስነት ኣብ ፖርት ሱዳን ምርኻቡዩ።

ኣብቲ ናይ ፖርት ሱዳን ርክብ፣ ኣብ ዳግመ ህንጻ ናይታ ብኵናት ሓድሕድ ዝዓነወት ሱዳን ዘተኮሩ ፕሮጀክታትን ብስዑዲ ዓረብ ክትግበሩ ዝኽእሉ መደባትን ከምዝዘተዩዩ ተመልኪቱ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ክትሕግዝ እንከላ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብኣንጻሩ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ ወይ ፈጣን ሓይልታት ከምእትድግፍ ይግለጽ።

ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ወሰንቲ ወትሃደራዊ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ናብታ ኣባላት ሰራዊትንን ሚሊሻታትን ምብራቕ ሱዳን ብምስልጣን እትተሓጋገዞ ኤርትራውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ክበጽሕ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0