ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ እትጎዓዝ ዝነበረት ናይ ነዳዲ መርከብ ሚሳይል ወንጪፉ

RADIO ERENA – Wednesday, 22 May 2024

ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ እትጎዓዝ ዝነበረት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ መጥቃዕቲ ኣካዪዱ።
ሰበስልጣን ሑቲ ብቀዳም 18 ግንቦት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፣ ኣብ የመን ብዝተሰነዐ ባለስቲክ ሚሳይል ነታ መርከብ ከምዝሃረማ ኣፍሊጦም። እታ ነዳዲ ዝጸንዓነት መርከብ መጠናዊ ጉድኣት ወሪዱዋ ንግዚኡ ኣንፈታ ኣጥፊኣ እኳ እንተነበረት ብእዋኑ ጽገና ተገይሩላ፣ ብዘይ ገለ ረዲኤት ጉዕዞኣ ከምዝቐጸለት ተገሊጹ።
እታ ዋንነት ግሪኽ ዝኾነት መርከብ ኣብ ሩስያ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቻይና ተምርሕ ምንባራ ይግለጽ።

ማእከል ንግዲ ባሕርያ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ። ንዝወረደ ዕንወት ብዝምልከት ግና ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣል ሑቲ፣ ንሓንቲ ብሰራዊት ኣመሪካ እትውነን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እውን ሃሪሙ ከምዘውደቓ ሓቢሩ። ብማእከላይ እዚ ኣመሪካ ንሓቅነት’ዚ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ኣል ሑቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ንካልኣይ እዋኑ’ዩ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ሃሪሙ ከውድቕ።
ኣልሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ደው ከተብል ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ መጥቃዕቲ ከውርድ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0