ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት እስራኤልን ሓማስን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

RADIO ERENA – Tuesday, 21 May 2024

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ካሪም ክሃን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንን ንገለ ሰበስልጣናት ሓማስን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝኣከቦን ዝመርመሮን መርትዖታት፣ ያህያ ሲንዋር (ሓላፊ ምንቅስቓስ ሓማስ ኣብ ጋዛ)፣ መሓመድ ዲያብ ኢብራሂም ኣልማስሪ (ዋና ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ፡ ብብርጌድ ኣልቃሳም ዝፍለጥ)፡ ከምኡ’ውን እስማዒል ሃኒየህ (ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ)፡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብዝፈጸምዎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክቕየዱ ጻውዒት ቀሪቡ።

እቶም ፈጺሞሞም ዝተባህሉ ገበናት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፣ምጽናት ዓሌት፣ገበናት ኲናት፤ ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ምሓዝ፣ዓመጽን ተግባራት ጾታዊ ዓመጽን ይርከብዎም።

እቲ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ዘ-ሄግ ብተወሳኺ እዞም ሰለስተ ሰበስልጣናት ሓማስ ብውሕዱ 245 ጅሆ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸምዎ ግፍዒ ብመርትዖታት ዝተሰነደ ምዃኑ ገሊጹ።

ከም ኣካል መርመራታት፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ካብ ዝኣከቦ መርትዖታት ቃለ መሕትት ካብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ናይ መጥቃዕቲ ቦታታት ዝመጹ፣ ጅሆ ዝነበሩን ከምኡ ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ሓዊስካ፣ዝተረጋገጹ ናይ ድምጺ፣ ስእልን ቪድዮን መርትዖታት ከም ዝኣከበ ገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ኩሎም ካብ እስራኤል ዝተወስዱ ጅሆ ብቕልጡፍ ክፍትሑን ናብ ስድርኦም ብሰላም ክምለሱን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብወገን እስራኤል ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንትን ኣብ ልዕሊ እዞም ዝስዕቡ ገበናት ኲናት ሓላፍነት ከም ዝወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት እቲ ቤት ጽሕፈት ጥሜት ሲቪላት፤ በቲ ኲናት ዝስዓበ ናይ ኣካላት ወይ ጥዕና መጉዳእቲ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወረደ መጥቃዕቲ ፤ ምጽናት ዓሌት፤ ስደት ዜጋታትን ካልኦትን ይርከብዎም ።

ንጥሜት ከም መሳርሒ ውግእ ምጥቃም ዘኸተሎ ሳዕቤን ኣብ ጋዛ ሞት፣ ብፍላይ ድማ ሞት ህጻናትን ደቂንስትዮን እናዋሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ካሪም ክሃን ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት ካብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ 1.1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጋዛ ኣብ ጥሜት ከምዘለዉ፣ እዚ ድማ ብሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ዝስዓበ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተመዝገበ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

ብቀዳም 7 ጥቅምቲ 2023 ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብመሬት፣ ባሕርን ሰማይን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝስዓበ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዝጅምር ልዕሊ 100 ኣብ ጋዛ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0