ኣህጉራዊ ማሕበር ልምዓት፣ ንኢትዮጵያ ናይ 720 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ ፈቒዱ

Radio Erena: Tuesday,25 July 2023

ኣህጉራዊ ማሕበር ልምዓት፣ ንወደብ ጂቡቲ ምስ ከተማታት ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ንምህናጽ ዝውዕል ናይ 720 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ ፈቒዱ።

እቲ ኣካል ዓለማዊ ባንክ ዝኾነ ማሕበር ነዚ ለቓሕ’ዚ ዝፈቅድ ዘሎ፣ ከተማታት ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ጂቡቲ ብቐጥታ እንተተራኺበን፣ ብዘይካ’ቲ ዝህቦ ናይ ሰብን ኣቑሑትን ምንቅስቓስ፣ ዕድላት ስራሕ እውን ክፈጥር እዩ ብምባል ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይ ወጻኢ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ብወደባት ጂቡቲ ከምዝሳለጥ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ምህናጽ’ዚ ናይ ቅጥራንን ሓመድን ጽርጊያታት፣ ንሰደድ እውን ክሕግዛ እዩ።

ካብ መይሶ ናብ ከተማ ድሬዳዋ ዝዝርጋሕ ናይ 150 ኪሎሜተር ናይ ሓመድ ጽርጊያ፣ ኣካል’ዚ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣህጉራዊ ማሕበር ልምዓት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣገዳስነት’ዚ ፕሮጀክት፣ ኣብ ምልውዋጥ ንግዲ፣ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ዞባ ዝህልዎ ተራ’ውን ዕዙዝ እዩ ኢሉ።

ምስ ቻይናውያን ናይ ህንጻ ትካላት ተኸታታሊ ስምምዓት ክትፈራረም ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ወደባት ጂቡቲ ምስ ከተማታታ ኣብ ምርኻብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብቲ ወደባት እውን ተወሳኺ ተርሚናላት ኣብ ምህናጽ ትነጥፍ ምህላዋ ይግለጽ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0