ኢጣልያ ከም ኣካል ትግባረ ‘ውጥን ማተይ’ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ ኤርትራ ሰዲዳ

RADIO ERENA – Thursday, 27 June 2024

ካብ ሕሉፍ የመናዊ ሰልፊ ብዝኾነት፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፣ ጆርጂያ ሜሎኒ ዝምራሕ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተግብሮ ዝደሊ ውጥን ማተይ፣ ላዕለዋይ ልኡኹ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ።

እቲ ብሚኒስተር ንግዲን ስርሓት ኢጣልያን፣ ኣዶልፎ ኡርሶ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ብምርኻብ፣ ክትግበሩ ኣብ ዝኽእሉ መደባት ተመያይጡ።

ውጥን ማተይኣብ ሽርኽና ዝተመርኮሰ፣ ኣኽሳቢ ምቕርራብ ብዝብል ኣምር ዝምራሕ፣ ኣብ ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ልምዓት ትሕተ ቅርጽ፣ ጸዓትን ምዕቃብ ኣከባቢን ዘተኮረ መደባት ዝሓቖፈዩ።

ኣብ 2829 ጥሪ 2024፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን፣ ዘተኣናገደት እዛ ኤውሮጳዊት ሃገር፣ ንውጥን ማተይ መበገሲ፣ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላርያ ሰሊዓ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሽርክና ዝተመርኮሰ ናይ ልምዓት መደባት ምክያድ፣ ኣብ ነዊሕ እዋን ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብሎዩ ዝብል እምነት ኣሕዲራ ዘላ ኢጣልያ፣ ኣቐዲማ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናታ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ቱኒዝያን ሊብያን ልኢኻያ።

ኢጣልያ ኣበጊሳቶ ዘሎ ውጥን፣ ኣተባባዒ ውጽኢት ክርከቦ ይኽእልዩ ዝብል ተስፋታት ከምዘለዎ፣ ዝትንተን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሕሉፍ ምልኪ ስርዓታት፣ ስእነት ደሞክራሲን ውሑስ ምስግጋር ስልጣናት መንግስትን ከምኡ ድማ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን መፍትሒ ከይረኸበ ግና፣ ምዕሩይ ምዕባለ ምርግጋጽ ይኹን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ከምዘይክኣል ውን ከም ምጉት ይቐርብዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0