ለበዳ ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ (H5N1) ንፈለማ እዋን ካብ ላም ናብ ሰብ ተራእዩ

RADIO ERENA – Friday, 17 May 2024

ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ (H5N1) ወይ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ኣዕዋፍ በረኻ ክቐትል እንከሎ፣ ኣብ ደርሁ ድማ ብዙሕ ለበዳታት ከም ዝተራእየ ማእከል ምቁጽጻር ተላባዒ ሕማማት ማለት CDC ገሊጹ።

ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ኣብ ደቂ ሰባት ሳሕቲ ዝርአ ኾይኑ፣ እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝመሓላለፍ ዝሕብር ጸብጻብ የለን።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ኣብ ቴክሳስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ጸባን ውጽ ኢት ጸባን ዝፈርየሉ ትካል ኣብ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት፣ ንመጀመርያ እዋን ካብ ከብቲ ናብ ሰብ ዝሓለፈ ለበዳ ኤች5ኤን1 ከም ዝተራእየ CDC ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኣብ ደቂ ሰባት ክዝርጋሕ ዝኽእል ካልእ ቫይረስ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ስክፍታታት የልዕል ኣሎ።

H5N1 ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ኣመሪካ ከም ዓቢ ሓደጋ ጥዕና ህዝቢ እኳ እንተዘይተራእየ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ተላባዒ ሕማማት ነቲ ምዕባለታት ይከታተሎ ከም`ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ እኳ እንተዘየለ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ወይ ዓሰርተታት ዓመታት ግን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት CDC ያል ሜዲሲን ስኮት ሮበርትስ ገሊጹ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንጎ 2003ን 2024ን ብጉንፋዕ ኣዕዋፍ ካብ ዝተለኽፉ 900 ሰባት ኣስታት 50% ሞት ኣጋጢሙ።

ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ (H5N1)፣ ብቐንዱ ንኣዕዋፍ ዘጥቅዕ ለበዳ ቫይረስ ኾይኑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ቻይና ኣብ 1996 ኣብ ኣዛብእ፣ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ሰባት ተረኺቡ።

ድሕሪ 25 ዓመታት፣ ኣብ 2020፣ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ኣዕዋፍ በረኻ ተራእዩ።

ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መወዳእታ 2021 ኣብ ኣዕዋፍ ኣመሪካን ካናዳን ክርአ እንከሎ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ዓይነታት ኣዕዋፍ በረኻ ተረኺቡ።

ኣብ ለካቲት 2022፣ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ንግዳዊ መፍረ ደርሁ ብዝሒ ዘለዎ ለበዳታትን ሞትን ኣስዒቡ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ድማ ንፈለማ እዋን ካብ ላም ናብ ሰብ ዝተመሓላለፈ ናይ መጀመርያ ለበዳ እቲ ቫይረስ ከም ዝተራእየ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ተላባዕቲ ሕማማት ማለት CDC ገሊጹ`ሎ።

ስእሊ ፥ ካብ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0