RADIO ERENA – Monday, 12 May 2025
ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ ዝርከቡ ኣውፈርቲ፣ ማሺነሪታቶም ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዙ ይሓቱ ምህላዎም፣ ንኮርፐረሽን ልምዓት ናይ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክታት ኢትዮጵያ፣ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።
ብሰንኪ‘ቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት፣ ብኸቢድ ተሃስዩ ዝጸንሐ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ፣ ዳግም ንምብርባሩ ክስርሓሉ‘ዩ ጸኒሑ።
እንተኾነ፣ ብሰንኪ‘ቲ ኵናት ካብ ኢትዮጵያ ወጺኦም ዝርከቡ ኣውፈርቲ፣ ናብታ ሃገር ክምለሱ ከምዘይደልዩን፣ ኣብ መቐለ ዝርከብ ፋብሪካታቶም ድማ ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዙ ይሓቱ ከምዘለውን ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኮርፐረሽን፣ ኣቶ ካሚል ኢብርሃም ገሊጹ።
እቶም ኣውፈርቲ ፋብሪካታቶም ካብ መቐለ ከውጽኡ እንተደልዮም፣ ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ከግዕዙ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦም‘ዩ እቲ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ጠቒሱ።
ይኹን‘ምበር፣ ነቶም ኣውፈርቲ ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማት ተጸኒዑ፣ ንዘቕርብዎ ዘለዉ ጠለባት ብዝምልስ መንገዲ፣ ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ ዝቕጽልሉ ተኽእሎታት ክፍተሽ ከምዘለዎ ዝመጎተት፣ ቀዋሚት ኣባል ናይቲ ኮርፐረሽን፣ ወይዘሮ ሶስና ጌታሁን፣ ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ክግዕዙ ከምዝኽእሉ ምሕባሮም መፍትሒ ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።
ኣብዚ ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ 37 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኢዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ፣ ካብ ስራሕ ከምዝወጹ ዘ ሪፖርተር ኣገንዚቡ።
እዚ ድማ እኹል ደሞዝን ተወሳኺ ረብሓታትን ምስ ዘይምህላውን ካልእን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ‘ዩ ተጠቒሱ።
ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሕለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ 120 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ፍርያት ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዘቕረበቶ ውጥን፣ ኣብ 83 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝተደረተ ‘ዩ ተሓቢሩ።
ብሰንኪ‘ቲ ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ዝተወልዐ ኵናትን ምስኡ ተተሓሒዙ ንኢትዮጵያ ዝተገብረላ ናይ ኣጎዋ እገዳን ንሱ ዝፈጠሮ ጽልዋታትን ገለ ካብ ኣውራ ጠንቂታት ምዃኑ ‘ዩ ተገሊጹ።
ከቢድ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ንምሕዋይ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ብዝተገብረላ ጸቕጢ፣ መጠን ሸርፊ ባጤራ ብር ብመንጽር ዶላር ብዕዳጋ ክውሰን ስለዝገበረት፣ ከቢድ ዝቕባበ ኣጋጢሙዋ ከምዝርከብ ይትንተን።
ዓሚ ኣብዚ ወርሒ‘ዚ፣ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 78 ብር ዝነበረ ኣብዚ ዓመት‘ዚ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናብ 122 ብር ዓሪጉ ኣሎ።
ዕዳጋታት ከረጋግእ ዘይክኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ‘ዚ ሓደ ዓመት፣ ንሓሙሻይ እዋኑ‘ዩ ወሰኽ ዋጋታት መሸጣ ነዳዲ ጌሩ ዘሎ።
====================
COMMENTS