ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ፣ ማሺነሪታትቶም ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዙ ይሓቱ

RADIO ERENA – Monday, 12 May 2025

ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ ዝርከቡ ኣውፈርቲ፣ ማሺነሪታቶም ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዙ ይሓቱ ምህላዎም፣ ንኮርፐረሽን ልምዓት ናይ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክታት ኢትዮጵያ፣ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ብሰንኪቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት፣ ብኸቢድ ተሃስዩ ዝጸንሐ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ፣ ዳግም ንምብርባሩ ክስርሓሉዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪቲ ኵናት ካብ ኢትዮጵያ ወጺኦም ዝርከቡ ኣውፈርቲ፣ ናብታ ሃገር ክምለሱ ከምዘይደልዩን፣ ኣብ መቐለ ዝርከብ ፋብሪካታቶም ድማ ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዙ ይሓቱ ከምዘለውን ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኮርፐረሽን፣ ኣቶ ካሚል ኢብርሃም ገሊጹ።

እቶም ኣውፈርቲ ፋብሪካታቶም ካብ መቐለ ከውጽኡ እንተደልዮም፣ ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ከግዕዙ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦምዩ እቲ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ጠቒሱ።

ይኹንምበር፣ ነቶም ኣውፈርቲ ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማት ተጸኒዑ፣ ንዘቕርብዎ ዘለዉ ጠለባት ብዝምልስ መንገዲ፣ ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ ዝቕጽልሉ ተኽእሎታት ክፍተሽ ከምዘለዎ ዝመጎተት፣ ቀዋሚት ኣባል ናይቲ ኮርፐረሽን፣ ወይዘሮ ሶስና ጌታሁን፣ ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ክግዕዙ ከምዝኽእሉ ምሕባሮም መፍትሒ ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

ኣብዚ ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ 37 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኢዱስትሪያዊ ፓርክ መቐለ፣ ካብ ስራሕ ከምዝወጹ ዘ ሪፖርተር ኣገንዚቡ።

እዚ ድማ እኹል ደሞዝን ተወሳኺ ረብሓታትን ምስ ዘይምህላውን ካልእን ዝተኣሳሰረ ምዃኑዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሕለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ 120 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ፍርያት ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዘቕረበቶ ውጥን፣ ኣብ 83 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝተደረተ ዩ ተሓቢሩ።

ብሰንኪቲ ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ዝተወልዐ ኵናትን ምስኡ ተተሓሒዙ ንኢትዮጵያ ዝተገብረላ ናይ ኣጎዋ እገዳን ንሱ ዝፈጠሮ ጽልዋታትን ገለ ካብ ኣውራ ጠንቂታት ምዃኑ ዩ ተገሊጹ።

ከቢድ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ንምሕዋይ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ብዝተገብረላ ጸቕጢ፣ መጠን ሸርፊ ባጤራ ብር ብመንጽር ዶላር ብዕዳጋ ክውሰን ስለዝገበረት፣ ከቢድ ዝቕባበ ኣጋጢሙዋ ከምዝርከብ ይትንተን።

ዓሚ ኣብዚ ወርሒዚ፣ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 78 ብር ዝነበረ ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናብ 122 ብር ዓሪጉ ኣሎ።

ዕዳጋታት ከረጋግእ ዘይክኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ዚ ሓደ ዓመት፣ ንሓሙሻይ እዋኑዩ ወሰኽ ዋጋታት መሸጣ ነዳዲ ጌሩ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0