ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፣ ብሰንኪ ግጭት 4.1 ሚልዮን ቆልዑ ትምህርቲ ኣቋሪጾም

RADIO ERENA – Wednesday, 01 May 2024

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4.1 ሚልዮን ህጻናት ብሰንኪ ቀጻሊ ግጭትን ደርቂን ካልኦት ረቛሒታትን ካብ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ከምዘለዉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እዚ ኣሃዝ`ዚ ኣብዚ ዓመተ ትምህርቲ ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ተማሃሮ እቲ ዞባ ኣስታት 35 ሚእታዊት ዝውክል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ግጭታት፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ፡ ኣስታት 4,178 ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ከምዘገደደን፡ እዚ ድማ ኣስታት 41 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ዞባ ይኾና።

ዩኖቻ ብተወሳኺ ኣብ ገለ ወረዳታት ብሰንኪ ሕጽረት ናውቲ ትምህርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጽዋ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ቆልዑ መምሃሪ ናውቲ ክደልዩ እንከለዉ፡ ልዕሊ 56 ሽሕ መምህራንን ሰራሕተኛታት ትካላት ትምህርትን ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ድጋፋት ከምዘድልዮም ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0