RADIO ERENA – Thursday, 24 April 2025
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጥሜትን ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ናይ ዝጥቅዑ ሰባት ብዝሒ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ውድብ መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።
ብመሰረት እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ፣ ብ22 ሚያዝያ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፣ ዞባዊ ዘይምርግጋእ፣ ምምዝባል፣ ደርቂን ቁጠባዊ ነውጽን ብጥሜትን ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ብዝሒ ይውስኽ ኣሎ።
ህወይት ዘድሕን ህጹጽ ሓገዛት ከውሕስ ከምዘይክኣለ ዘመልከተ እቲ ውድብ፣ 3.6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን መሰረታዊ ናይ መግቢ ረዲኤት ከይስእኑ ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ኣስሚርሉ።
ልዕሊ 650 ሽሕ ካብዚኣቶም፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ዝተጠቕዑ ቆልዑን ደቂንስትዮን ‘ዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ሃገር፣ 10 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ‘ዩ ውድብ መግቢ ዓለም ዘመልክት።
እቶም 3 ሚልዮን ካብዝኣቶም ብሰንኪ ግጭትን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኮይኖም፣ ብዝያዳ ዝተጠቕዓ ክልላት፣– ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ኦሮምያ፣ ሶማልን ዓፈርን ምዃነን እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።
=============
COMMENTS