ኢትዮጵያ፣ ጉራጀ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Tuesday, 01 August 2023

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ጉራጀ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብቲ ብቀዳም 29 ሓምለ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ነበርቲ’ቲ ዞባ ናብ ዕዳጋ ይወርዱ ኣብ ዝነበሩሉ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ንኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሮም።

ብመሰረት ናይ ዓይኒ ምስክርነት ናይ’ቶም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 135 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዲዳ ዝተባህለ ቦታ፣ እቶም ዕጡቓት ናብ ዕዳጋ ዝወርዱ ንዝነበሩ ሰባት ብሓይሊ ብረት ደው ኣቢሎም ብናይ ቀረባ ርሕቀት ተኲሶም ከምዝቐተሉዎም ገሊጾም።

ብዘይካ’ቶም ዝተረሸኑ ሸውዓተ ሰባት፣ ካልኦት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ሰባት ቆሲሎም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ካብ’ቶም ዝሞቱ ሰባት፣ ጥንስቲ ኣደ ምስ በዓል ቤታ ከምዝተቐትለት እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፣ ብዕለት 24 ሓምለ እውን ከምዝተኻየደ ዝገልጹ ነበርቲ’ቲ ዞባ፣ መንነቶም ዘይተገልጹ ዕጡቓት ሓይልታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውርድዎ ዘለዉ መከራ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዞባ ጉራጀ ብዋንነት መሬት ዝተላዕለ ግጭት ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዳግማይ ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ህዝቢ’ቲ ዞባ፣ ጸጥታኡ ንምውሓስ ካብ ፈደራል መንግስቲ ተደጋጋሚ ሓገዝ ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0