ኢትዮጵያ፣ ዝተጨውዩ ኣስታት 100 ተማሃሮ ዪኒቨርሲቲ ንምልቃቕ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ሚልዮን ብር ክኽፈለሎም ይሕተት

RADIO ERENA – Wednesday, 10 July 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ዕጡቓት ንዝጨወይዎም ኣስታት 100 ሰባት ንኽፍንው፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ሚልዮን ብር ወይ ልዕሊ 17 ሽሕ ዶላር ክኽፈለሉ ይሓቱ ምህላዎም ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

መብዛሕቶም እቶም ዝተጨውዩ፣ ተማሃሮ ዪኒቨርሲቲ ደባርቕ ምዃኖምዩ ተመልኪቱ።

እቶም ተማሃሮ፣ ናብታ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ 125 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ዩኒቭርሲቲ ደባርቕ ብኣውቶቡሳት እናተጓዕዙ እንከለዉ፣ ብዕጡቓት ተዓጊቶምዮም ተጨውዮም ተወሲዶም።

ፕረዚደንት ናይታ ዩኒቨርሲቱ፣ ኣስማማው ዘገየ፣ ብዛዕባ ምጭዋይ እቶም ተማሃሮ እኳ እንተረጋገጸ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃበን።

ሓደ ካብቲ ምጭዋይ ከምዘምለጠ ዝሓበረ ተማሃራይ ግና እቶም ዕጡቓት ብቋንቋ ኦሮሞ ይዛረቡ ምንባሮም ጠቒሱ።

ሓብቲ ንሓደ ካብቶም ተማሃሮ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ሓዋ ንኽፍታሕ እቶም ዕጡቓት ፍርቂ ሚልዮን ብር ክትከፍል ከምዝሓተቱዋ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ዝበዝሐ ክልላት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ጸጥታ ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ፣ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሰባት ይቐትሉ፣ ይጨውዩ ይዘምቱን ከምዘለዉ ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባዚ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘጋጠመ ምጭዋይ ተማህሮ ዩኒቨርስቲ ዝበዝሕዎም ኣስታት 100 ሰባት ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0