Radio Erena: 06 July 2021
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ከወግዱን፣ ቀዋሚ ምቁራጽ ተዅሲ ንምትግባር ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ኣመሪካ ጸዊዓ።
እታ ሃገር ነዚ ጻውዒት ዘቕረበት፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሎሚ 6 ሓምለ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ’ዩ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ዘራኽብ ድልዳል ምፍራሱ ኮኒኑ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብ2 ሓምለ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ኣኼባ ዘቐመጦም ነጥብታት፣ ኢትዮጵያ ከተተግብር ዝጸውዐ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ፣ ውሕሱን ዕንቅፋት ዘይብሉን መስመራት ሰብኣዊ ሓገዛት ክኽፈት፣ ኣብ ትግራይ ገበናት ዝፈጸሙ ብናጻን ግሉጽን ኣካል ምጽራይ ክካየደሉን ዝብሉ ምዃኖም ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ዶባት ወይ ክልላት፣ ካብ ቅዋም እታ ሃገር ወጻኢ ብሓይሊ ምቅይያራት ከይግበረሎም ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ከምዘስመረሉ ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራስ ኣፍሊጡ።
ብሊንከን ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ብሄር ይኹን ፖለቲካ ወጥሪ፣ ነባሪ ፍታሕ ክረክብ እንተኾይኑ፣ ኩሎም ወገናት ብዝቐልጠፈ ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ጸዊዑ።
====================
COMMENTS