ኢትዮጵያ፣ ካብ ቻይና ኣጽዋር ትሽምት ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 February 2023

ኢትዮጵያ፣ SH-15 (PCL-181) ዝዓይነቱ፣ ኣብ ድሩዓት መካይን ዝጸዓን መዳፍዓት ዝርከቦ ኣጽዋር ካብ ቻይና ትሽምት ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ሚሊታሪ ኣፍሪካ ዝተባህለ መርበብ ብዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እታ ሃገር ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ቻይና ዝሸመተቶ ብውሕዱ 32 መዳፍዓት ንምርኢት ከምዘቕረበት ኣስሚርሉ።

ሓደ ካብዚ ናይ 155 ሚሊሜተር መዳፍዓት፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ከምዝግመት ዝጠቐሰ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ክሳብ 53 ኪሎሜተር ክውንጨፍ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ቻይና፣ ነዚ ኣብ ድሩዓት መካይን ዝጸዓን ተወንጫፊ መዳፍዕ፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ ዓጢቕዎ ምጽንሑ እቲ መርበብ ብተወስኺ ኣነጺሩ።

ኣስታት 30 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ እቲ ፍርቁ ካብ ቻይና ዝተለቀሓቶ’ዩ።

ምስ ምውላዕ ኵናት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ፈረንሳ ምስ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ዝነበራ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ደስኪሉ ዝርከብ ኢትዮጵያ፣ ናብ ቱርኪን ቻይናን ኣቛሚታ ምህላዋ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ህወሓት ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ ዝምድና ኢትዮጵያን ሃገራት ምዕራብን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዑደት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ የካይድ ኣሎ።

ዑደቱ፣ ብ06 ለካቲት፣ ብኢጣልያ ዝጀመረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እሕመድ፣ ናብ ፈረንሳ ብምቕናዕ፣ ምስ ምጅማር ኵናት ተቛሪጹ ኣብ ዝጸንሐ ስምምዓት ክልትኤን ሃገራት ዝሕደሰሉ ተኽእሎታት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ክመያየት ትጽቢት ኣሎ።

ስእሊ፦ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0