ኢትዮጵያ፣ ካብ ባንክ ዓለም ተወሳኺ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ረኺባ

RADIO ERENA – Wednesday, 31 July 2024
ኢትዮጵያ፣ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ፋይናንስን ቁጠባን ብድሆታት ንምሕጋዝ፣ ባንክ ዓለም 1.5 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ሓጋዝ ክህባ ተመባጺዑ።
እቲ ባንክ፣ ነዚ መብጽዓ ዝኣተወ፣ ድሕሪ’ቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ነታ ሃገር ክህባ ዝወሰነ ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ’ዩ።
እቲ ብባንክ ዓለም ዝወሃብ ገንዘብ፣ እቲ ሓደ ቢልዮን፣ ብህጹጽ ኣብ ምድጋፍ ፋይናንስ ዝውዕል ምወላ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ 500 ሚልዮን ዶላር ድማ ውሕዱ ወለድ ዘለዎ ልቓሕ’ዩ።
እቲ ባንክ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት፡ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ መዲቡ ከምዘሎ ‘ውን ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት ፊናንሳውያን መሻርኽን፣ ንኢትዮጵያ ዝተመባጽዐኦ ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ምወላን ልቓሕን’ዩ።
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንድዚ ዝኣክል ልቓሕን ምወላን ክትረክብ ዝኸኣለት፣ ሸርፊ ብዕዳጋ ክውሰን ዝብልን ካልእን ዘጠቓለለ ፖሊሲ ማክሮ ቁጠባ ከተተኣታትዉ፣ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ንዝገበሩላ ጸቕጢ ብምቕባል ከተተግብሮ ስለዝጀመረት’ዩ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0