ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶብ ክልላት ዓፈርን ሶማልን ዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Tuesday, 18 June 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ክልላት ዓፈርን ሶማልን ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ብዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ14 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጓሃሃረ ግጭት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ጉዳት ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

ጠንቂቲ ግጭት ዛጊት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ከም መቐጸልታ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ረጽምታትን ዋንነት መሬትን ምዃኑዩ ተሓቢሩ።

በቲ ዕጡቓት ሚሊሻውን ዝተሳተፍዎ ግጭት ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ እኳ እንተሓበረት፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ግና የለን።

እዚ ናብ ጂቡቲ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዶብ ክልላት ዓፈርን ሶማልን ናይ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ግጭት፣ ናብ ጂቡቲ ውን ከይልሕም፣ ብወገን ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምይይጥ ከምዝተኻየደሉ ኣብ ስደት ዝርከባ ምንጭታት ዜና እታ ሃገር ጠቒሰን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0