ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዞባ ጉራጌ ጸጥታ ብምፍራሱ፣ ዝበዝሐ ከባቢታት ብሰራዊት ይሕሎ ምህላዉ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 11 September 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ማእከላዊ፣ ዞባ ጉራጌ፣ ዘጋጠመ ምፍራስ ጸጥታ ካብ ዓቕሚ እቲ ክልል ወጻኢ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ጎረባብቲ ዓድታት፣ ብጉዳይ ዋንነት መሬትን ወሰናስንን ብዝተፈጥረ ግጭት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ቆልዑን ደቂንስቶን ዝርከብዎም 44 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 6 ሽሕ ድማ ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ከምዝተፈናቐሉን ዘ ሪ ፖርተር ኣብ 08 መስከረም ጸብጻባ ኣስፊራ።

እቲ ክልል ንጸጥታ እቲ ዞባ ከረጋግእ ብዘይምኽኣሉ፣ ብድሩዓት ዝተሰነየ ሰራዊት ናብ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተዋፈረን ዛጊት 10ታት ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ጉራጌ ግጭት ዝውላዕ ዘሎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት፣ ሓድሽ ኣብ ዝቖመ ክልል ማእከላዊ፣ ሓያሎ ክፋል ናይቲ ዞባ ኣካል ካልእ ዞባ ክኸውን ብምውሳኑዩ።

ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ወሰናስን ክልላትን ኣብ ዘዋስን ዝርከባ ዓድታት ብዝምልከት ኣብ ዝብዝሐ ክፋል እታ ሃገር፣ ተመሳሳሊ ግጭታትን ወጥርን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0